OUR TEAM / BOARD OF DIRECTORS

We are a team of professional, passionate and hard working people dedicated to helping newcomers,
immigrants, Seniors, Women, Children & Youth. Ark Newcomers Settlement Organization (ANSO) is a not-for-profit community based Organization that provides settlement and integration services and programs that facilitate the early settlement of newcomers to Kitchener Waterloo and the surrounding areas.
________________________________________________________

ንሕና እዞም ኣስማትና ኣብ ታሕቲ ተጠቒሱ ዘሎ፡ ክልተ ደቀንስትዮን ሽዱሽተ ደቂ ተባዕትዮን ኣባላት ቦርድ፡ ድሕረ ባይታና ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ኢዩ። 3 ካብ ኤርትራ፡ 2 ካብ ኢትዮጵያ፡ ሓደ ካብ ግብጺ፡ ሓደ ካብ ደቡብ ሱዳን ከምኡ’ውን ሓንቲ ካብ ሱዳን ዝቖምና ምኩራት ወለንተኛታት ኢና። ብኲናት፡ ብፖለቲካዊ ጉዳይን ብዝተፈላለዩ ጸገማትን ካብ ሃገራቶም ዝተፈናቐሉ ስደተኛታት ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዘዘለዉዎ ሃገራት ንምሕጋዝ ኢና ንሰርሕ ዘለና። እዚ ዘይመንግስታዊ፡ ካብ ፖለቲካን ዓሌትን ናጻ ዝኾነ ማሕበር፡ ነቶም ብድሕሪ ስደተኛታት ሶርያ ካልኣይ ደረጃ ሒዞም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ፍሉይ ቆላሕታ ክንገብረሎም ኢና። ኣብ እስራኤል፡ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ኡጋንዳ፡ ግብጺን ካልኦት ሃገራትን ንዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምሕጋዝን ናብ ሳልሳይ ሃገር ንምምጽኦምን፡ ኣብ ቀረባ ግዜ መደባትና ሰሪዕና ክንብገስ ኢና። ኩላትና ከም እንፈልጦ፡ ስደት ኤርትራውያን ዛጊት ኣየብቅዐን ዘሎ። መፍትሒ ስደት ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ጉዳይ ምዃኑ፡ ምስጢር ኣይኮነን። ክሳብ መሰረታዊ ፍታሕ ዝርከብ ድማ፡ ማሕበር ኣርክ ዓቕሙ ዘፍቀደሉ ንምሕጋዝ ክሰርሕ ኢዩ።

1.Redie Nerayo ረድኢ መሓሪ (ኣለና)

President / Founder

2.Mehari Ahferom መሓሪ ኣሕፈሮም

Secretary

3.Adane Abraham ኣዳነ ኣብራሃም

Director

4.Dr Gezahgn Wordofa ዶ/ር ገዛሀኝ ዎርዶፋ

Comptroller

5.Akal Andat ኣካል ዓንዳት

Treasurer

6.Ayman Desouki ኣይማን ደሱቂ

Adviser

7.Joseph Auyak ጆሴፍ ኣውያክ

Program Coordinator

8.Alia Gadalla ዓሊያ ቓዛላ

Assistant Secretary